Skip to content

Latest commit

 

History

History
424 lines (214 loc) · 46.2 KB

tigrinya.md

File metadata and controls

424 lines (214 loc) · 46.2 KB

BBC ናይ ውሽጢ ዓዲ

ኢትዮጵያ ምስ ሩስያ ስምምዕ 'ሓይሊ ባሕሪ' ከምዝፈረመት ገሊጻ

ዓርቢ፣ 14 መጋቢት 2025 ሰዓት 5:56:37 ድ.ቀ.

ኣብ 2021 ቀዳማይ ዙርያ ኣባላቱ ሰዘልጠነ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኪኖ'ቲ ኣብ ቀላያትን ወሓይዝን ኢትዮጵያ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ኣብ ባሕርታትን ውቅያኖሳትን ንዝህሉ ከም ቅርሰና (ሽፍትነት ባሕሪ) ንምግታእ ከምዝዋፈር'ዮም ሰብመዚ ኢትዮጵያ ክገልጹ ጸኒሖም።

ሕብረት ኣፍሪቃ ንወጥሪ ትግራይ ኣመልኪቱ ዘውጽኦ መግለጺ

ዓርቢ፣ 14 መጋቢት 2025 ሰዓት 4:24:48 ድ.ቀ.

ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ እዋናዊ ኵነታት ትግራይ ማእከል ዝገበረ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታትን ሰብመዚ ማእከላይ መንግስትን ዘሳተፈ ዝርርብ ይካየድ ኣሎ። ኣብቲ ብፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ይምራሕ ከም ዘሎ ዝተነግረሉ መድረኽ ዝተረኽበ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ፡ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ትግራይ ንዝምዕብል ዘሎ ኵነታት "ብትዅረት" ይከታተሎ ከም ዘሎ ተዛሪቡ።

ኤርትራ ነቲ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዘሎ ምክፍፋል ከተጋድድ ድሌት ከምዘይብላ ገሊጻ

ሓሙስ፣ 13 መጋቢት 2025 ሰዓት 7:23:57 ድ.ቀ.

ኤርትራ፡ ነቲ ኲናት ትግራይ ደው ዘበለ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ 'ናይ ምዝራግ' ድሌት ከምዘይብላ ኣፍሊጣ። ብወገን ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ዝጋዋሕ ዘሎ "ንኵናት ዝቕስቅስ መግለጺታት" ጠንቂ ምትፍናን ይኸውን ከምዘሎ ሚኒስተር ዜና እታ ሃገር ገሊጹ።

ዘገርም ፍጻመ ዝተራእየሉ ሓደጋ ባርዕ ነፋሪት ገያሾ

ዓርቢ፣ 14 መጋቢት 2025 ሰዓት 1:26:13 ድ.ቀ.

ተጓዓዝቲ ዝንፋሕ መንሸራተቲ ተጠቒሞም ብሰላም ናብ መሬት ክወርዱ ከምዝኸኣሉ ንምውራድ ምምሕዳር ፌደራል ኣቬሽን ኣሜሪካ ሓቢሩ። ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ገና ክምርምር ምዃኑ'ውን ገሊጹ ኣሎ።

ቭላድሚር ፑቲን ንሰላም ቅሩብ ድዩ ዋላስ ግዜ'ዩ ዘናውሕ ዘሎ?

ዓርቢ፣ 14 መጋቢት 2025 ሰዓት 5:19:44 ቅ.ቀ.

ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ "ንኡሳን ኣፈላላያት፡" እኳ እንተሃለዉ ሩስያ ውግእ ደው ንምባል ድልውቲ እያ ኢሉ። እዚ ንምቕባል ድማ ቅድመ ኵነት ኣቐሚጡ ኣሎ። ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ፑቲን ነቲ ውጥን ዝሃቦ ምላሽ "መታለሊ" ክብል ብምግላጽ፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝያዳ እገዳ ክግበር ጸዊዑ።

ንቕድድም ብሽክለታ ትግራይ ዓብሊላቶ ዘላ ጽገ ካሕሳይ

ዓርቢ፣ 14 መጋቢት 2025 ሰዓት 4:25:10 ቅ.ቀ.

ጽገ ካሕሳይ፡ ኣብ ትግራይ ዓዲ ጎዶም ገና ጓል 11 ዓመት እንከላ'ያ፡ ንሓሙሽተ ደቂቕ ብሓደ ብር ብሽክለታ እናተኻረየት ብሽክለታ ተላሚዳ። እታ ሽዕኡ ዝተላመደታ ብሽክለታ፡ ካብ ዓዲ ግዶም ናብ መቐለ፡ ካብ መቐለ ናብ መላእ ኢትዮጵያ፡ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ርዋንዳን ሽማ፡ ሽም ሃገራን ከተጸውዓላ ክኢላ። ሕልማ’ውን ኣብዚ ዝድረት ኣይኮነን

ወለዲ ናይቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ዝሃልቁ ዘለዉ ተጋሩ ስደተኛታት እንታይ ይብሉ?

ዓርቢ፣ 14 መጋቢት 2025 ሰዓት 4:45:58 ቅ.ቀ.

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ጂቡቲ ስደተኛታት ፅዒነን ዝተበገሳ ኣርባዕተ ጃላቡ ኣብ ጥቃ ገማግም ባሕሪ የመን ብምግልባጠን ልዕሊ 180 ስደተኛታት ከም ዝጠሓሉ ይፍለጥ።

መቐለ፡ ሎሚ ዝተራእዩ ዓበይቲ ክስተታት እንታይ እዮም?

ሓሙስ፣ 13 መጋቢት 2025 ሰዓት 4:52:07 ድ.ቀ.

ብደብረፅዮን ገብረሚካኤል ንዝምራሕ ጉጅለ ህወሓት ከም ዝድግፉ ብዝገለፁ ኣዘዝቲ ዝምርሑ ሓይልታት ትግራይ ቅሉዕ ምንቅስቓስ ብምግባር ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታትን ከተማታትን ትግራይ ንመሓውር ግዝያዊ ምምሕዳር ብምፍራስ ንቤት-ፅሕፈታት ብምቁፅፃር በቲ ጉጅለ ንዝተመዘዙ ኣመራርሓ ኣብ ምትካእን ተፀሚዶም ይርከቡ።

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ጌታቸው ረዳ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ እንታይ ኢሉ?

ሓሙስ፣ 13 መጋቢት 2025 ሰዓት 8:15:58 ቅ.ቀ.

ትግራይ፡ ካብቲ ካብ 2020 ክሳዕ 2022 ምስ ማእከላይ መንግስቲ ዝተኻየደ ኣዕናዊ ኲናት ገና ኣይሓወየትን ዘላ።እቲ ጐንጺ፡ ብስምምዕ ፕሪቶርያ ከም ዘብቅዐ ይፍለጥ። ኣብዚ እዋን፡ ኣብ መንጎ መሪሕነት ህወሓት ዝተፈጥረ ዘይምስምማዕ፡ ዳግም ኣብቲ ክልል ኲናት ከይለዓል ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

ቅልውላው ትግራይ፡ ኣመሪካን ሃገራት ኣውሮጳን 'ህጹጽ ልዝብ' ክካየድ ጸዊዐን

ሓሙስ፣ 13 መጋቢት 2025 ሰዓት 1:11:35 ድ.ቀ.

ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ነቲ ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ወገን ህወሓት ምድጋፎምን ብቕሉዕ ጌታቸው ረዳን ደገፍቱ ክእለዩ ምጽውዖምን'ውን ነቲ ወጥሪ ኣጋዲድዎ'ዩ።

ጽቡቕ ክስምዓካ ዝገብሩ ሓሙሽተ ምንቅስቓስ ኣካላት

ሓሙስ፣ 13 መጋቢት 2025 ሰዓት 9:45:39 ቅ.ቀ.

ስሩዕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ፤ ጸቕጢ ከጕድል፡ ስምዒትካ ከማሓይሽ፡ ካብ ቃዝኖት ክከላኸለልካን ካብ ሻቕሎት ከናግፈካን ይኽእል እዩ።

ፌደራላዊ መንግስቲ ጣልቃ ክኣቱ ምሕታት ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ'ዩ - ህወሓት

ረቡዕ፣ 12 መጋቢት 2025 ሰዓት 7:10:26 ድ.ቀ.

እቲ ሎሚ ብቢሮ ኮምዩኒኬሽን እቲ ክልል ዝወጽአ መግለጺ፡ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ይፈርስ ኣሎ ብምባል እቲ ክልል ዳግም ናብ ረጽሚ ከይኣቱ ስግኣት ከም ዘለዎ ይጠቅስ። ፕረዚደንት እቶም ምምሕዳር ኣቶ ጌታቸው ረዳ ነቶም መሓውራት መንግስቲ የፍርሱ ኣለዉ ኢሉ ዝኸሶም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ካብ ሰኑይ ጀሚሩ የሰናብቶም ምህላዉ ይፍለጥ።

ትግራይ፡ 'ጥይት ተኵሶም ብርከይ ወቒዖምኒ'- ካብ ግዳያት ዓዲጉዶም

ረቡዕ፣ 12 መጋቢት 2025 ሰዓት 12:14:23 ድ.ቀ.

ካብ ሓይልታት ትግራይ ኣርምታት 44 ን 26 ከም ዝተዋፈሩ ዝተገለፁ ዕጡቓት ትማሊ ሰሉስ ንቤት-ፅሕፈት ከተማ ዓዲጉዶም ብሓይሊ ብምቁፅፃር፡ ንከንቲባ እታ ከተማን ሸውዓተ ኣባላት ካቢኔንን ጨውዮም ከም ዝወሰዱን ሰባት ካብ መንበሪ ገዝኦም ይህደኑ ከም ዘለዉን ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ቃንዛ ወርሓዊ ጽግያት፡ ድሕሪ መርዓ ይገድፈካ ድዩ?

ሓሙስ፣ 13 መጋቢት 2025 ሰዓት 5:20:51 ቅ.ቀ.

ብዙሓት ድቀንስትዮ ቃንዛ ወርሓዊ ጽግያት፣ ድሕሪ መርዓ ይገድፈካ እዩ ዝብል እምነት ኣለወን። እዚ ግን ሓቅነቱ ክሳብ ክንደይ እዩ?

ኤርትራ፡ ታሪኽ ኣንጻር መንግስቲ ዝተኻየዱ ውሽጣዊ ተቓውሞታት

ረቡዕ፣ 22 ጥሪ 2025 ሰዓት 5:26:02 ቅ.ቀ.

ገለ ካብኡ ብኣድማ ተጋደልቲ ዝፍለጥ፡ ተቓውሞ 20 ግንቦት 1993፣ ተቓውሞ ስንኩላን ኲናት - ሓምለ 1994፡ ሕቶ ለውጢ ጕጅለ 15 ኣብ - ነሓሰ 2001፡ ሕቶ ለውጢ ወዲ ዓሊን ብጾቱን - 21 ጥሪ 2013፡ ተቓውሞ ኣንጻር ምህጋር ቤት ትምህርቲ ኣልድያእ - ጥቅምቲ 2017 እናተባህለ ክግለጽ ይከኣል።

ዓዲ እንግሊዝ ብዛዕባ ስደተኛታት ዘውጽኣቶ 'ሓድሽን ተሪርን ' ሕጊ

ረቡዕ፣ 12 ለካቲት 2025 ሰዓት 5:29:23 ቅ.ቀ.

እቶም ቅድሚ ሕጂ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣትዮም፡ ዜግነት ክውሃቡ ሕቶ ዘቕረቡ'ውን ሕቶኦም ካብታ ዘመልከቱላ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመታት ክርአ ከምዝጅምር ኣብዚ ሓድሽ ሕጊ ሰፊሩ ኣሎ። እዚ ማለት ኣብ ጥሪ 2025 ዜግነት ክውሃቡ ሕቶ ዘቕረቡ፡ ጉዳዮም ካብ ጥሪ 2035 ጀሚሩ ክረአ ክጅምር።

ኤርትራ፡ ካብ ሓርነታዊ ገስጋስ ናብ ምልካዊ ትኻስ

ሰኑይ፣ 6 ጥሪ 2025 ሰዓት 4:33:12 ቅ.ቀ.

እቲ ህዝቢ፡ ዘይጽወር ጸይሩ፡ መሪር ስቓይ ተጻዊሩ፡ ብከቢድ መስዋእቲ ዝረኸቦ ናጽነት፡ "ደጊም ስቓይና ተወዲኡ እዩ!" ብምባል፡ ርሁው መጻኢ እናሓለመ፡ ብድሙቕ ፍሽኽታን ሓጐስን'ዩ ዝጽምብሎ ነይሩ። ግን እቲ ሽዑ ዝነበረ ተስፋን ሕልምን፡ ሕጂ ድሕሪ 33 ዓመት ናጽነት ከመይ ኣሎ? እዚ ጽሑፍ'ዚ፡ ንትጽቢትን ክውንነትን ጕዕዞ ሓድሽ ልደት ኤርትራን ውጽኢቱን ክግምግም እዩ።

ትግራይ፡ 'ብልዕቲ ክልቲኡ ጾታ ሒዘ ብምውላደይ ተነጺለን ተዓሚጸን'

ሰሉስ፣ 10 ታሕሳስ 2024 ሰዓት 4:07:15 ቅ.ቀ.

ኣብ ዓለምና ካብቲ ሕብረተሰብ ዝምድቦ ክልተኣዊ ጾታዊ ፍጥረት (ጓል ኣንስተይቲን ወዲ ተባዕታይን) ወጻኢ፡ ብልዕቲ ክልቲኡ ጾታ ሒዞም ዝውለዱ ሰባት፡ 1.9 ሚኢታዊት ብዝሒ ኣለዎም። ንሳቶም ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ይዅን ካልእ ክፍለ ዓለም ንከቢድ ጸለመን ተነጽሎን ዝተቓልዑ’ዮም።

ዝምድና ኢትዮ-ኤርትራ፡ ሓድሽ ኣሰላልፋ ቀርኒ ኣፍሪቃን ሳዕቤናቱን

ረቡዕ፣ 23 ጥቅምቲ 2024 ሰዓት 5:34:59 ቅ.ቀ.

ኣሰላልፋ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣንፈት ቀይሩ ናብ ሓድሽ ወጥሪ ኣምሪሑ። እቲ ሓደ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዘሎ ወጥሪ ክኸውን ከሎ፤ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ መንጐ ግብጽን ኢትዮጵያን ዝረአ ዘሎ እዩ። ኤርትራን ግብጽን ሶማልያን ሓድሽ ኪዳን ክምስርታ እንከለዋ፡ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ 2024 ብዝተፈራረማኦ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ኣብ ሓደ ቀጽሪ ከምዘለዋ ይርአ ኣሎ።

ኣባ ተኽለማርያም ሰምሃራይ፡ ንስርዓተ ኣምልኾ ግእዝ ዝተቓለስሉ ኣቦ

ሰንበት፣ 23 ለካቲት 2025 ሰዓት 5:09:53 ቅ.ቀ.

ኣብ ከረን፡ ኢዮሩሳሌም፡ ሮማ፡ ፓሪስ. . . ኰይኖም ዝጸሓፉዎ 46 ምርምራዊ ጽሑፋት ኣበርኪቶም ኣለዉ። ነቲ ንኤውሮጳ ማእከል ዝገበረ ርእዮተ-ዓለም ናብ ምድረ-ሓበሻ ንምእታው ዝግበር ዝነበረ ፈተነታት ብርድኢት ደው ኢሎም ዝመጐቱ፡ ክብርታት ሕብረተሰቦም ንኻልኦት ዘፍለጡን ዋጋ ዝኸፈልሉን እዮም። ካብዛ ዓለም ካብ ዝፍለዩ 83 ዓመት ኣቝጺሮም ኣለዉ - ብዙሕ ሰብ ግን ስሞም እኳ ሰሚዑዎ ኣይፈልጥን።

ኤርትራ፡ ካቢነ ሚኒስተራት ኣኺልዎ ድዩ ፈሪሱ? ሓድሽ ወለዶ መሪሕነት ንምፍጣር’ከ ተስፋ ኣሎዶ?

ሰኑይ፣ 30 መስከረም 2024 ሰዓት 6:42:02 ቅ.ቀ.

ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ ንመወዳእታ ግዜኡ ካብ ዝእከብ፡ ዝሓለፈ 28 መስከረም ሽዱሽተ ዓመት መሊኡ ኣሎ። ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ካቢነ ሚኒስተራት ኣበይ ኣተወ? ስለምንታይ’ዩ “ደስኪሉ”? ኣባላቱ ዝዀኑ ሚኒስተራትን ዝመርሕወን ሚኒስትሪታትን’ከ ኣብ ምንታይ ኵነታት ኣለው? ዝብሉ ሕቶታት ከልዕሉ ጸኒሖም ኣለዉ።

ብውሕልነቶም፡ ‘ቡዳ’ እናተባህሉ ዝጥቅዑ ዘለው ኢደ ጥበበኛታት

ረቡዕ፣ 28 ለካቲት 2024 ሰዓት 4:44:11 ቅ.ቀ.

ኣብ ትግራይ ኣብ ስርሓት ኢደ ጥበብ ዝተዋፈሩ ሰባት ‘ሰብ ዝቐትሉ ቡዳታት እዮም’ ብዝብል ባህላዊ እምነት ኣደዳ ግፍዕን ሞትን ምክልባትን ከም ዝዀኑ ይገልጹ። እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝበጽሕ በደላት እናሓመቐን እናወሰኸን ምኻዱ ዝገልጽ ማሕበር ኢደ ጥበበኛታት ትግራይ፡ ካብ ምዝንባል፣ ጸለመን ምፍርራሕን ብዝሰገረ ክሳብ ቅትለት ዝበጽሕ ምዃኑ የረድእ።

ዑስማን ዓብደልረሒም፡ ቅርሲ ሃገራዊ ስነጥበብ ኤርትራ

ረቡዕ፣ 9 ጥቅምቲ 2024 ሰዓት 3:56:13 ቅ.ቀ.

ነቲ ዅሉ ጕዕዞ ህይወቱ እተዘንቱ፡ ብዙሕ ጻዕሪን ወኸሳታት ካብ ዑስማን ጀሚርካ ዝተፈላለዩ ሰባትን ሰነዳትን ዝተገብረላ መጽሓፍ ታሪኽ ህይወቱ ድማ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ተሓቲማ ናብ ህዝቢ ክትዝርጋሕ ምዃና ኣዳለውታ ንቢቢሲ ገሊጾም ኣለዉ።

ህወሓት ኣብ ቀራና መገዲ - ትማሊን ሎሚን

ዓርቢ፣ 16 ነሓሰ 2024 ሰዓት 4:49:18 ቅ.ቀ.

ህወሓት ቅልውላው ከጋጥሞ እዚ ናይ መጀመርታ ግዜ ኣይኰነን። እቲ ውድብ ኣብ ታሪኹ ካብ በረኻ ደደቢት ክሳዕ ኣራት ኪሎ ዝቐጸሉ ዝተፈላለዩ ውደባዊ ቅልውላዋት ከምዘጋጠምዎ ይፍለጥ። ቢቢሲ ዘዘራረቦም ክልተ መራሕቲ ህወሓት ነበር፡ እቲ ውድብ ንተደጋጋሚ ቅልውላዋት ዝቃላዕ ዘሎ "ካብቲ ዝኽተሎ ፖለቲካን ስነ-ሓሳብን ዝምንጩ'ዩ" ይብሉ።

ኤርትራውያን፡ ስለምንታይ'ዮም ኣብ ኵሉ ኵርናዓት ዓለም ነንሕድሕዶም ዝጋጨዉ ዘለዉ?

ዓርቢ፣ 24 ጉንበት 2024 ሰዓት 5:20:00 ቅ.ቀ.

ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ተቓውሞኦም ከስምዑ ዘይክእሉ ብኣካይዳን ምሕዳራን መንግስቶም ተስፋ ዝቘረጹ ኤርትራውያን፡ ነቲ ቅድሚ 33 ዓመት እታ ሃገር ናጻ ዝወጸትሉ መዓልቲ ንምዝካር ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ዝካየዱ መደባት ተቓውሞ ኣብ ዘካይዱሉ፡ ዓመጽ ዝመልኦ ግጭት ከይፍጠርን ጸኒሑ እዩ።

ቅትለትን ጭውያን ትግራይ፡ ‘ክዳና፡ ጫማኣን ጸጕሪ ርእሳን ኣጽኒሖምለይ’

ሰሉስ፣ 9 ሓምለ 2024 ሰዓት 4:17:48 ቅ.ቀ.

ኣብ ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዘሎ ጭውያ፡ ቅትለትን ጾታዊ መጥቃዕቲን ኣሰካፊ ደረጃኡ ከምዝበጽሐ ስድራ ግዳያትን ተሓለቕቲ መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ይገልጹ ኣለው። ኣብ መቐለ ኣብ ዝሓለፉ 11 ኣዋርሕ ቅትለት መንእሰይ ዘውዱ ሃፍቱ ሓዊሱ ቅትለት ኣስታት 12 ደቂ ኣንስትዮ ከም ዘጋጠመ ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ንቢቢሲ ኣፍሊጡ።

ትራምፕ፡ ናብታ ብጐንጺ ትሕመስ ዘላ ብማዕድናት ሃብታም ኮንጎ ገጹ ክጥምት ድዩ?

ሓሙስ፣ 13 መጋቢት 2025 ሰዓት 7:07:10 ቅ.ቀ.

ደሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ፡ 24 ትሪልዮን ዶላር ዝግመት ዘይተጠቕመሉ ጸጋታት ከም ዘለዋ ይግመት - እዚ ኮባልት፡ ወርቅን ነሓስን ይሓውስ። ኣብዚ እዋን'ዚ እታ ሃገር ኣብ ዓለም ዝዓበየት ኣቕራቢት ኮባልት ኰይና እዚ መዓድን ንኣጽዋርን ምርምር ህዋን ከምኡ'ዉን ብኤሌክትሪክ ኣብ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ንዝርከቡ ባትሪታት ኣገዳሲ'ዩ።

ቃንዛ ወርሓዊ ጽግያት፡ ድሕሪ መርዓ ይገድፈካ ድዩ?

ሓሙስ፣ 13 መጋቢት 2025 ሰዓት 5:20:51 ቅ.ቀ.

ብዙሓት ድቀንስትዮ ቃንዛ ወርሓዊ ጽግያት፣ ድሕሪ መርዓ ይገድፈካ እዩ ዝብል እምነት ኣለወን። እዚ ግን ሓቅነቱ ክሳብ ክንደይ እዩ?

ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ስለምንታይ ብዙሕ ዘተ ሰላም የካይዳ?

ሰሉስ፣ 11 መጋቢት 2025 ሰዓት 5:46:52 ቅ.ቀ.

ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ኣብ ገለ ካብቲ ወሳኒ ዝርርብ ሰላም ዓለም ክሽምግላ ተመሪጸን ኣለዋ።

ኣብ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ደቀ'ንስትዮ ዓይንኻ ዘንቍሑ ኣርባዕተ ሓቅታት

ሰንበት፣ 9 መጋቢት 2025 ሰዓት 6:00:24 ቅ.ቀ.

ደቀንስትዮ ኣብ ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ርኡይ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ኣርእየን እየን።ኣብ መረጻ ናይ ምስታፍ መሰል ረኺበን፤ ዳርጋ ኣብ ኵለን ሃገራት ድማ ኣባላት ባይቶ ክዀና ክኢለን እየን።

ኣዘርባዣን ምስ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዋ ጸጥታዊ ርክብ እንታይ ይመስል?

ዓርቢ፣ 7 መጋቢት 2025 ሰዓት 5:17:35 ቅ.ቀ.

ዘመናዊ ወተሃደራዊ ኢንዱስትሪታት ብምምዕባል ኣብ ዕዳጋ ኣጽዋር እጃም ክህልዋ ትመጣጠር ዘላ ኣዘርባዣን ምስ ሓያለ ሃገራት ኣፍሪቃ ስምምዓት ከምዝፈረመት ይግለጽ።

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ዝተፀምበሮ 'ቤት ምኽሪ'፡ መዋጽኦ ይፈጥርዶ ይኸውን?

ሓሙስ፣ 6 መጋቢት 2025 ሰዓት 5:34:40 ቅ.ቀ.

ኣብ ትግራይ ስሩዕ መረፃ ተኻዪዱ ሕጋዊ ቤት ምኽሪ ክሳብ ዝጣየስ፡ ኣብ እዋን እዚ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ እቲ ዝለዓለ ክልላዊ ኰነ ፌደራላዊ ፖሊሲ ናይ ምፍፃም ሓላፍነት ዘለዎ፡ እዚ ቤት ምኽሪ ክኸውን እዩ።

ዞባ ሳሕል፡ ስለምንታይ እዩ ኣብ ዓለም 'ሓደገኛ ቦታ' ኰይኑ?

ሓሙስ፣ 6 መጋቢት 2025 ሰዓት 5:09:18 ቅ.ቀ.

ብመሰረት ዓለማዊ መዐቀኒ ራዕዲ (GTI)፡ እቲ ዞባ ንገለ ክፋል ዓሰርተ ሃገራት የጠቓልል- ቡርኪናፋሶ፡ ማሊ፡ ኒጀር፡ ካሜሩን፡ ጊኒ፡ ጋምብያ፡ ሰኔጋል፡ ናይጀርያ፡ ጫድን ሞሪታንያን።

ኤሊሳ ስሎትኪን፡ ንትራምፕ ዝሞጎተት ቋንቋታት ዓረብን ስዋሂሊን እትዛረብ ሰነተር

ረቡዕ፣ 5 መጋቢት 2025 ሰዓት 10:05:50 ቅ.ቀ.

ካብተን ኣብ መንጐ ዲሞክራትን ሪፐብሊካንን ዝገላበጥ መርገጽ ዘለወን ብ'ስዊንግ ስቴትስ' ዝፍለጣ ሓንቲ ዝዀነት ምሺጋን መንበር ሰነት ኣመሪካ ዓወት ዝተዓወተት ዲሞክራት ሰነተር ኤሊሳ ስሎትኪን ኣብዚ እዋን ኣዛራቢት ኰይና ኣላ።

'ትራምፕ ከም ፑቲን እዩ ዝሓስብ'፡ እዚ መኸተምታ ሊበራላዊ ስርዓት ዓለምዶ ይኸውን?

ረቡዕ፣ 5 መጋቢት 2025 ሰዓት 4:56:50 ቅ.ቀ.

ፕረዚደንት ኣመሪካ ትራምፕ ነገራት ገላቢጡ፡ ምስ ሞስኮ ዳግማይ ዝምድና ብምምስራት፡ ንሩስያ ወራሪት ምባል ብማዕረኡ ድማ ንዩክረይን ግዳይ ናይቲ ኲናት ኢልካ ምእዋጅ ነጺግዎ። እዚ ትራምፕን ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪን ዝሓለፈ ዓርቢ ብቓልዕ ዝተኻየደ ኲናት ዩክረይንን ብኸመይ ከም ዝውዳእን ድሕሪ ዘካየድዎ ርሱን ክትዕ እዩ።

ኣመሪካ፡ 'ኵሉ ሓገዛት' ንዩክረይን ደው ምባላ እንታይ ሳዕቤን ክህልዎ እዩ?

ሰሉስ፣ 4 መጋቢት 2025 ሰዓት 11:05:46 ቅ.ቀ.

ፕረዚደንት ትራምፕ ኵሉ እቲ ኣመሪካ ንዩክረይን እትህቦ ሓገዝ ደው ከብል ምውሳኑ፡ ንኪቭ ጥራይ ዘይኰነስ ንዅሎም እቶም ኣመሪካ ደገፋ ንክቕጽል ክጕስጕሱ ዝጸንሑ ኤውሮጳውያን መሻርኽቲ'ውን መሪር ጽፍዒት እዩ።

ኣከዳድና ዘለንስኪ ኣብ ኦቫል ሃውስ ንዘጋጠሞ 'ውርደትን ሕስረትን' ጠንቂ ዀይኑ ድዩ?

ሰንበት፣ 2 መጋቢት 2025 ሰዓት 8:39:15 ቅ.ቀ.

ዘለንስኪ ካብ ምጅማር ምሉእ ወራር ሩስያ 2022 ኣትሒዙ ፡ ንኮንግረስ ኣመሪካ ሓዊሱ፡ ምስ መራሕቲ ዓለም ኣብ ዝገበሮ ኣገደስቲ ኣኼባታትን ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ስረ፣ ቁልፊ ዘለዎም ማልያታትን ክራቫታን ገይሩ እዩ ዝረአ።

እቲ መራሒ ዩክረይን፡ ዝመርጾ ወተሃደራዊ ክዳውንቲ፡ ነቶም ኣብ ግንባር ኲናት ምስ ሰራዊት ሩስያ ዝዋግኡ ወተሃደራት ድጋፍ ንምርኣይ ምዃኑ እዩ ዝገልፅ።

ሞሳድ ቅድሚ 40 ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ዝፈጸሞ 'ምስጢራዊ' ስርሒት

ሰንበት፣ 2 መጋቢት 2025 ሰዓት 8:34:30 ቅ.ቀ.

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ራፊ በርግ'ውን ነዚ ዘገርም ልኡኽቶ ስለያ እተዘንቱ "ሬድ ሲ ስፓይስ" ዝብል ርእሲ ዘለዋ መጽሓፍ ጽሒፉ ኣሎ። ብተወሳኺ ብኦንላይን ፊልምታትን ካልኦት መዘናግዒ መደባትን ዘቕርብ ኔትፍሊክስ "ዘ ሬድ ሲ ዳይቪንግ ሪዞርት" እትብል ፊልም ዘርጊሑ።

ነብሰ ቅትለት ገበን ድዩ? ሕጊ ኢትዮጵያኸ እንታይ ይብል?

ረቡዕ፣ 26 ለካቲት 2025 ሰዓት 6:29:50 ቅ.ቀ.

ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ዓለም፡ ፈተነ ነብሰ ቅትለት ከም ገበናዊ ተግባር ዘይኮነስ ከም ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ዝቑጸር ኮይኑ፡ ኣብ ገለ ሃገራት ድማ ብገበን ዘሕትትን መቕጻዕቲ ዘኸትልን እዩ።

ኤርትራ ነቲ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዘሎ ምክፍፋል ከተጋድድ ድሌት ከምዘይብላ ገሊጻ

ሓሙስ፣ 13 መጋቢት 2025 ሰዓት 7:23:57 ድ.ቀ.

ኤርትራ፡ ነቲ ኲናት ትግራይ ደው ዘበለ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ 'ናይ ምዝራግ' ድሌት ከምዘይብላ ኣፍሊጣ። ብወገን ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ዝጋዋሕ ዘሎ "ንኵናት ዝቕስቅስ መግለጺታት" ጠንቂ ምትፍናን ይኸውን ከምዘሎ ሚኒስተር ዜና እታ ሃገር ገሊጹ።

ቅልውላው ትግራይ፡ ኣመሪካን ሃገራት ኣውሮጳን 'ህጹጽ ልዝብ' ክካየድ ጸዊዐን

ሓሙስ፣ 13 መጋቢት 2025 ሰዓት 1:11:35 ድ.ቀ.

ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ነቲ ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ወገን ህወሓት ምድጋፎምን ብቕሉዕ ጌታቸው ረዳን ደገፍቱ ክእለዩ ምጽውዖምን'ውን ነቲ ወጥሪ ኣጋዲድዎ'ዩ።

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ጌታቸው ረዳ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ እንታይ ኢሉ?

ሓሙስ፣ 13 መጋቢት 2025 ሰዓት 8:15:58 ቅ.ቀ.

ትግራይ፡ ካብቲ ካብ 2020 ክሳዕ 2022 ምስ ማእከላይ መንግስቲ ዝተኻየደ ኣዕናዊ ኲናት ገና ኣይሓወየትን ዘላ።እቲ ጐንጺ፡ ብስምምዕ ፕሪቶርያ ከም ዘብቅዐ ይፍለጥ። ኣብዚ እዋን፡ ኣብ መንጎ መሪሕነት ህወሓት ዝተፈጥረ ዘይምስምማዕ፡ ዳግም ኣብቲ ክልል ኲናት ከይለዓል ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

'ህዝብና ኣሰሊፍና ክሳብ መወዳእታ ክንቃለሶ ኢና'፡ ንግዝያዊ ምምሕዳር ዝደገፉ ተቓወምቲ ሰልፍታት ትግራይ

ረቡዕ፣ 12 መጋቢት 2025 ሰዓት 4:46:44 ድ.ቀ.

ሰለስተ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ትግራይ ነቲ ኣብ ከቢድ ጸቕጢ ዝርከብ ግዝያዊ ምምሕዳር ከምዝድግፉ ኣፍሊጦም።

ኢትዮጵያ፡ ብሓቂ ሰብ  ኣልቦ ነፈርቲ ከተፍሪ ጀሚራ ድያ?

ረቡዕ፣ 12 መጋቢት 2025 ሰዓት 5:56:52 ቅ.ቀ.

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ትካል ምፍራይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ዘመረቐሉ እዋን፡ ኢትዮጵያ ናብ ወጻኢ ሃገራት ከይተረፈ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ንምሻጥ ድልውቲ ምዃና ኣፍሊጡ'ዩ። እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ፋብሪካ ኣጽዋር ሆመቾ፡ ተተኰስትን ስናይፐር ሽጉጥን ሓዊሱ ካልኦት ኣጽዋር ምፍራይ ከም ዝጀመረ'ውን ሓቢሩ።

ወጥሪ ትግራይ፡  ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነታትን ሻቕሎት ህዝብን

ሰሉስ፣ 11 መጋቢት 2025 ሰዓት 7:45:39 ድ.ቀ.

ኣብ መንጐ መሪሕነት እቲ ክልል ክምዕብል ዝሓገየ ወጥርን ስግኣታት ጸጥታን ንብዙሓት እቲ ቅድሚ ልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝነበረ ሕሰም ከዘኻኽሮም ጀሚሩ ኣሎ።ኣብዚ እዋን፡ እቶም ኣብ ክልተ ተገሚዖም ብ'ኣዋጅ ዕልዋ መንግስቲ'ን "ብሄራዊ ክሕደትን" ክካሰሱ ዝጸንሑ መራሕቲ ትግራይ፡ ሓደ ክንፊ ህወሓት ነቲ ካልእ ሕጋዊ ኣፍልጦ ብምኽላእ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ "ልዑል ሽበራ" ናብ ዝፈጠረ ምስሕሓብ ኣትዮም ይርከቡ።

መቐለ፡ ጌታቸው ረዳ ኣዘዝቲ ሰራዊት ምእጋድ ይቕጽል

ሰሉስ፣ 11 መጋቢት 2025 ሰዓት 6:49:27 ድ.ቀ.

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ እዞም ሰለስተ ጀነራላት ዝርከብዎም ብዙሓት ኣዘዝቲ ነቲ ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ወገን ህወሓት ከም ዝድግፉን ኣብቲ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል'ውን ምትዕርራይ ክግበር ከም ዝጠልቡን ድሕሪ ምግላጾም ኣብቲ ክልል ልዑል ወጥሪ ሰፊኑ ጸኒሑ'ዩ።

ኣስመራ፡ ግብረመልሲ ኤርትራ ንመግለጺ ጀነራል ጻድቃን

ሰሉስ፣ 11 መጋቢት 2025 ሰዓት 4:33:38 ድ.ቀ.

ኣብቲ ኣብ ቅልውላው ዝርከብ ፖለቲካ ትግራይ ኣንጻር እቶም ምስ ኤርትራ ርክብ ኣለዎም ዝባሃሉ ዝበዝሑ ኣዘዝቲ ሰራዊት ተሰሊፉ ዘሎ ጻድቃን፡ ክልል ትግራይ ዳግማይ ናብ "ዓውደ-ውግእ" ከይትምለስ ዘለዎ ስግኣት ብምግላጽ "ኣብ መንጎ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ምሕዝነት ቀስ ብቐስ ብምንቁልቋሉ ናብ ኲናት ምእታው ዘይተርፍ'ዩ ዝመስል" ክብል'ዩ ኣብቲ ኣብ ኣፍሪቃ ሪፖርተር ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ዘውጽኦ ጽሑፍ ዝምጉት።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝውላዕ ሓድሽ ኲናት ካርታ ሃገራት ዝቕይር'ዩ - ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ

ሰሉስ፣ 11 መጋቢት 2025 ሰዓት 5:30:26 ቅ.ቀ.

እቲ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ኣብ ጐድኒ ፈደራላዊ መንግስቲ ብምዃን 'ግፍዒ ፈጺሙ' ዝበሎ መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ምግምማዕ 'ይምዝምዞ' ከም ዘሎን ዝተሓበበርዎ ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን መራሕቲ ትግራይ ከም ዘለዉን ድማ ጻድቃን ይኸስስ።

ስድራ ናይቲ ብወተሃደራት ኢትዮጵያ ዝተቐትለ ኤርትራዊ፡ ተሕልፎ ዘላ ሰቖቛ

ሰኑይ፣ 10 መጋቢት 2025 ሰዓት 5:51:32 ቅ.ቀ.

ሃኒባል፡ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኤርትራ፣ ክሳድ ዒቃ ምስ ራማ ትግራይ ኣብ ዝዳወብ ከባቢ፡ ኣብ ዳምባ ምጭ ተወሊዱ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ሩባ መረብ ንሱን ደቁ ዓዱን ጥሪቶም ዘስትይሉ፡ ዝጓስየሉ ምድሪ እምበር ደምን ኲናትን ዘኸትል ትሓልፍያ ዝበሃለሉ መሬት ምዃኑስ ኣፍልጦኦም ድሩት እዩ ነይሩ።

እስራኤል ኤርትራውያን ንምስጓግ ቀዳማይ እማመ ኣጽዲቓ፣ ኣምነስቲኸ እንታይ ኢሉ?

ዓርቢ፣ 7 መጋቢት 2025 ሰዓት 9:07:06 ቅ.ቀ.

ፓርላማ እስራኤል፡ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ዓዶም "ንስርዓት ሃገሮም" ዝድግፉ ኰይኖም እንተ ተረኺቦም ናብ ሃገሮም ክጥረዙ ዘኽእል ዝቐረበ ቀዳማይ እማመ ሰሚዑ ኣጽዲቑ ክብላ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ደቡብ-ሱዳን፡ ስግኣት ኲናት ኣሎ - ርእይቶ ኤርትራውያን ኣብዚ ጉዳይ

ዓርቢ፣ 7 መጋቢት 2025 ሰዓት 5:59:49 ቅ.ቀ.

ኣብዚ ቅንያት እቲ ብፕረዚደንት ሳልቫ ኬር ዝምራሕ ክንፊ፡ ነቶም ኣባል ናይቲ ብምክትሉ ሪክ ማቻር ዝምርሑ ሰበሰልጣናት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ስለ ዘእተውዎም፡ ኣብ ሰማያት እታ ሃገር ስግኣት ኣንጠጥዩ ኣሎ። ብልዝብ ከይተፈትሐ ናብ ኲናት እንተ ኣምሪሑ፡ ሳዕቤኑ ዘይጽወር ሰብኣዊ ቅልውላው ክኸውን እዩ።

ስደተኛታት ብኣኽላባት እናተሃደኑ ናብ ኤውሮጳ ዝሰግርሉ ጽዑቕ ጫካ

ዓርቢ፣ 7 መጋቢት 2025 ሰዓት 5:18:03 ቅ.ቀ.

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት፡ ብዙሓት ካብ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ዝመጽኡ ስደተኛታት ካብ ቤላሩስ ብጫካ ቢያሎዊዛ ኣቢሎም ዶብ ሰጊሮም ናብ ፖላንድ ክኣትዉ ፈቲኖም እዮም። ነዚ ስዒቡ ፖላንድ ሓለዋ ዶባት ኣጽኒዓ። ጕጅለ ቢቢሲ፡ ናብቲ ጫካ ብምኻድ ዝስዕብ ዘሎ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራታት ዳህሲሱ ኣሎ።